መሰረት እምነት ኦርተዶክስ ተዋህዶ
Meseret Emnet Orthodox Tewahdo

ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ፣ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ። ዳዊት 122:1
I was glad when they said unto me, Let us go into the house of the LORD. Psalms 122:1

Today's Lesson

ማቴዎስ 4:1-4 "ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።"

Reading's of the Day

ቤት-ኤል--- ቤተ እግዚአብሄር-- ቤተ ክርስቲያን።
ኢያ 16፡2፤ ካብ ቤት-ኤል ናብ ሉዝ ወጺኡ ኸኣ፡ ብዶብ ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሐልፍ።
ዘፍ 28፡16፤ ያእቆብ ከኣ ካብ ድቃሱ ተባራበረ እሞ፡ ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ አሎ፡ በለ።17፤ ፈሪሁ ድማ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ። እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር፡ ካልእ ኣይኰነትን፡ እዚኣ ኸኣ ደገ ሰማይ እያ፡ በለ።18፤ ያእቆብ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ኣብኣ ተተርኢስዎ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኪኸውን ኣቘሞ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘይቲ ኸዐወሉ።19፤ ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ቤት-ኤል ኣውጽኣላ፡ ቀደም ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ይብሀል ነበረ።
ማቴ 16፡18፤ ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።
1 ጢሞ 3፡14፤ ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡15፤ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ።
ራእ 21፡23፤ እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ።24፤ ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ፡ ነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም።25፤ ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታት ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ።26፤ ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም።27፤ እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።
ናብ ደጌታት እዛ ጸሓይ ወርሕን ኬብርሁላ ዘየድልያ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ንምእታው ምሕረት ኣምላኽን ጸሎት ኵሎም ቅዱሳንን ምስ ኵልና ይኹን፡ ኣሜን።
ብክፍሊ ትምህርቲ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ዝተዳለዉ።

መልአኽቲ ቤተ ክርስትያን እዚ እንጅምሮ ጾም ናይ ዓወት፡ ይግበረልና። ምድርናን ዓለምናን ዝረግኣሉ፡ ኣብ ኩናት ዘለዉ ናብ ሰላም ዝመጽሉ፡ ዝረሓቁ ዝቀርብሉ፡ ዝተፈላለዩ ዝዕረቅሉ፡ ዓለምና ትፍወሰሉ ጸምን ጸሎትና ይግበረልና። ከምቲ ኤርምያስ 33:3 ዝበሎ " ጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ። " ክንጽዎም ዘይንፈልጦን ካብ ዓቅምና ንላዕሊ ዝኾነን ዝተሰወረናን ክገልጸልና፡ ብቀንዱ ከኣ ክርስቶስ ኣብ ልብና ክውልደ ፡ እግዚአብሔር ይሓግዘና።

About Us

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን ኣሜን።
እዚ ተከታታሊ መደብ " Meseret Emnet Orthodox Tewahdo" ዝብል ናይ YouTube ትምህርቲ ቀንዲ ዕላምኡ ንምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፡ ነቲ ዘለዎም እምነት ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቑ፡ ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ዝኾንዎ እምነት፡ኣብኡ
1. ከም ህንጻ ኮይኖም ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኾኑ፡
2. እናተኣሳሰሩ ክዓብዩ፡
3. ነቲ "ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም።" (ኤፌ 2፡22) ዝበሎ ንከተግብሩ ክሕግዝ ዝተዳለወ መደብ እዩ።

Connect with us on social media